ኢትዮጵያ ኣብ ምቁፅፃር መድሓኒት ትካል ጥዕና ዓለም 3ይ ብርኪ መረጋገፂ ብቕዓት ምርካባ…

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ምቁፅፃር መድሓኒት ትካል ጥዕና ዓለም 3ይ ብርኪ መረጋገፂ (ማቹሪቲ ሌቭል ስሪ) ምዕዋታ ዘርፈ ብዙሕ ረብሓታት ኣለዎ፡፡

ሚኒስቴር ጥዕናን በዓል መዚ ምግብን መድሓኒትን ኢትዮጵያን ብብርኪ ዓለም ተቆፃፀርቲ መድሓኒት ሃገራት ምደባ ማቹሪቲ ሌቭል ስሪ ዘመዝገቦ ዓወታ ብዝምልከት መግለፂ ሂቦም፡፡
“ማቹሪቲ ሌቭል ስሪ” ትካል ጥዕና ዓለም ንሃገራት ፍቓድ ምሃብ፣ ምክትታል ዕዳጋን ድሕንነት ብቕዓት ናይ ምቁፅፃር ዓቕሞም ገምጊሞም ዝውሃን ቁፅፅር ስርዓት ምደባ ኣፍልጦ እዩ፡፡
ኢትዮጵያ ዘዐወተቶ ማቹሪቲ ሌቭል ስሪ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ምቁፅፃር መድሓኒት ኢትዮጵያ ክትበፅሖ ዝሓሰበቶ ዓወት ወሳኒ ምዃኑ ኣብ መግለፂኦም ተገሊፁ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Facebook FBC Tigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment