ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪካ ኢሉ እውን ኣብ ኣፍሪካ ያላት ዘለዋ ተሰማዕነትን ፅዕንቶን ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ጉጅለ 20 ክትሳተፍ ኣኽኢሉዋ ኢለን ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፡፡
ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ መራሕቲ ጉጅለ 20 ዝተሳተፈ እንትኸውን፥ ጎድና ጎድኒ እቲ ጉባኤ ምስ መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ሓለፍቲ ስራሕ ትካላትን ውፅኢታዊ ክልተኣዊ ልዝባት ኣካይዶም፡፡
ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፤ እቲ ልኡኽ ኣብቲ ጉባኤ ዝነበሮ ፃንሒት ኣመልኪተን ኣብ ዝሃበኦ መብርሂ፥ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ንኸትሳተፍ ዝተጋበዘት ኣብታ ኣህጉር ብዘለዋ ተሰማዕነትን ፅዕንቶን ከምዝኾነ ኣልዒለን፡፡
ኢትዮጵያ እናመዝገበቶ ትርከብ ቅልጡፍ ኢኮኖሚ፣ ብመንግስቲ እናተወገኑ ዝርከቡ ስራሕቲ ለውጢን ኣብቲ ዞባ ከምኡ እውን ኣብ ኣፍሪካ ዘለዋ ፅዕንቶ ኣብቲ ጉባኤ ንኽትሳተፍ ኣኽኢሉዋ ኢዩ ኢለን፡፡