ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ፈተና ኮይና ዘመዝገበቶም ዓወታት ካብ ጉዕዞ ምዕባለኣ ዘትርፋ ከምዘየለ ዘርኢ ኢዩ – ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ ፈተና ኮይና ዘመዝገበቶም ዓወታት ካብ ጉዕዞ ምዕባለኣ ዘትርፋ ሓይሊ ከምዘየለ ዘርኢ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)፡፡

ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጌዲኦ ከተማ ዲላ “ብስራታት ጉባ፤ ትሩፋታ መንግስቲ መደመር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ህዝባዊ ዘተ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ከምዝበሉዎ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ኣብ ውሽጢ ልዑል ፈተና ኮይና ብዙሓት ዓወታት ተጎናፂፋ ኢያ።

ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘጋጠሙዎ ፀገማት ብምፍታሕ ናይ ዘበናት ነስሓ ህዝቢ ናብ ሓጎስ ምቕያር ከምዝተኽኣለ ኣልዒሎም።

ኢትዮጵያ ሉኣላዊነት ምግቢ ንምርግጋፅ ኣብ ፍርያት ስርናይ ብዝተሰርሐ ስራሕ ካብ ስራሕ ሓሊፉ ንወፃኢ ዕዳጋ ምቕራብ ከምዝተኽኣለ ብምግላፅ÷ ብፕሮጀክታት ገበተ ንሃገር ብዝተሰርሐ ስራሕ ዓሚቕ ሃፍቲ ሃገር ቱሪዝም ምንቕቓሕ ከምዝተኽኣለ እውን ኣብሪሆም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment