ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣንጎላ ሉዋንዳ እናተኻየደ ኣብ ዝቐነየ 4ይ ፀወታ ኦሎምፒክ መናእሰይ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ኣብ ውድድራት ኣትሌቲክስ 12 ሜዳልያ ብምምዝጋብ ውድድራ ዛዚማ።
ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድድር 4 ሜዳሊያታ ወርቂ፣ 3 ብሩርን 5 ሜዳሊያታት ነሓስን ከምኡ እወን 8 ዲፕሎማን ረኺባ።
ኣብ ኣንጎላ ሉዋንዳ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ 4ይ ፀወታ ኦሎምፒክ መናእሰይ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር ኣትሌቲክስ 25 ኣትሌታት ኣሳቲፋ፡፡
ኣፍቲ ውድድር ዝተሳተፈ ጉጅለ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ፅባሕ ናበ ኣዲስ ኣበባ ክኣቱ ኢዩ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!