ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኢነርጂ ንዘላቒ ዕቤት ኣህጉር ኣፍሪካ ብሓባር ንምስራሕ ቆራፅ ኢያ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ኢነርጂ ንዘላቒ ዕቤት ኣህጉር ኣፍሪካ ብሓባር ንምስራሕ ቆራፅ ኢያ ኢሎም፡፡

ቀዳማይ ጉባኤ ኢፊሸንሲ ኢነርጂ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ይርከብ።

ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ዓሚቕ ሃፍቲ ኢነርጂ ኣፍሪካ ብግቡእ ንምጥቃም ብምትሕብባርን ብሕብረትን ምስራሕ የድሊ።

ኢትዮጵያ ክማዊ ለውጢ ንምፅዋር ንዝሓለፉ ዓመታት ብዝሰርሐቶ ስራሕ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣብነት ክትከውን ከምዝኸኣለት ብምግላፅ፥ ኣፍሪካ እውን ከም ኣህጉር ኣብቲ ዓውዲ ጥንኩር ስራሕቲ ክትሰርሕ ከምዘለዋ ኣገንዚቦም፡፡

ዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዘጀመሩዎ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኣቢሉ ክሌማዊ ለውጢ ንምፅዋር ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝተወገኑ ኣብሪሆም።

እቲ መርሃ ግብሪ ንኣፍሪካ ዘላቒ ኣጠቓቕማ ኢነርጂ ወሳኒ ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ኢትዮጵያ ኣብ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝወገነቶም ውፅኢታዊ ስራሕቲ ጉባኤ ኮፕ 32 ንኽተሰናድእ ከምዝተመረፀት ኣብሪሆም።

ኢነርጂ ናመፃኢ ዕቤት ኣፍሪካ ወሳኒ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዓውዲ ነታ ኣህጉር ዘላቒ ዕቤት ብሓባር ከምትሰርሕ ኣረጋጊፆም።

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment