ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ዘደንቕ ጉዕዞ ህዳሰ ትርከብ ኢሎም ም/ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ካሺም ሼቲማ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ም/ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ካሺም ሼቲማ ቁልፊ ኣብ ዝኾኑ ክልተኣዊን ኣህጉራዊን ጉዳያት ከምዝዘተዩ ይፍለጥ።
እቶም ምክትል ፕሬዚዳንት ናይ ኢትዮጵያ ኣደነቕቲ ሓድጊታትን ታሪኻን ኣጉሊሁ ብዘርኢ መልክዑ ተሓዲሱ ንምርኢት ክፍቲ ዝኾነ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ እውን ጎብንዮም።
ዑደቶም ብዝምልከት ኣብ ዕላዊ መዝገብ ክብሪ ኣብ ዘስፈሩዎ መዘከርታ መልእኽቲ እቲ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ህያው ታሪኽ ኢዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ካብ ኣፍሪካ ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዘይተገዝአት ብሕታዊት ሃገር ከምዝኾነት ዝሓበሩ እቶም ምክትል ፕሬዚዳንት፥ ኣብ ዘደንቕ ጉዕዞ ህዳሰ ትርከብ ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘደንቕ ታሪኽ ፀጋን ልዑል ኩርዓት ሃገርነትን ከምዝተሰመዖም ምግላፆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!