ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ብኣንጎላ ኣሰናዳነት ዝተዳለወ ኢትዮጱያ ጉባኤ ቢዝነስ ኣፍሪካን ኣሜሪካን ኢኮኖሚያዊ ዲፕሎማሲኣ ብዘጠናኽር ውፅኢታዊ ተሳትፎ ገይራ ኢሉ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ፡፡
ዳይሬክተር ጀነራል ጉዳያት ኣፍሪካ እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ዘሪሁን ኣበበ ከምዝበልዎ÷ እቲ ጉባኤ ኢትዮጵያ ካብ ሃገር ቦቆል ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሽ ዝተሰነየ ቢዝነስ ዲፕሎማሲ ተጠናኽር ኣላ፡፡
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ምስ ፕሬዚዳንት ኣንጎላን ኣቦ ወንበር ሕብረት ኣፍሪካን ጆ ሌሬንሶን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ማሳድ ቦሎስን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ካውንስል ኮርፓሬት ኣፍሪካ ፍሎሪ ሊዘር ምዝታዮም ሓቢሮም።
ምስ ዋና ጉባኤ ጎና ጎኒ ብዝነበሩ ዝተፈላለዩ መድረኻት ፕሬዚዳንት ታዬ ሓዊሱ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሆልዲንግስ ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ብሩክ ታዬ (ዶ/ር)ን ኮሚሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዘለቀ ተመስገን (ዶ/ር)ን ተሳትፎ ብምግባር ቅዋም ኢትዮጵያ ምርኣይ ተኻኢሉ ኢሎም፡፡
ብፍላይ ንኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ምችውቲ ምዃና ዘርኣየቶ፣ ናይ’ቲ ዓውዲ ፖሊሲ ማዕቀፍ ዘፋለጠትሉ፣ ኣፍሪካውያን ኣሜሪካውያን ቢዝነስ ምትእስሳር እንታይ ክመስል ከም ዘለዎ ራእይ ዘካፈለትሉ መድረኻት ምዃኖም ሓቢሮም፡፡
ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ ኢንቨስትመንት ሆልዲንግስን ኣሜሪካ ዓለም ለኸ ፋይናንስ ዝተፈረመ መረዳድኢ ሰነድ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ዝጀመረቶም ሰፋሕቲ ስራሕቲ ብዝበለፀ ዘጠናኽር ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡
ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብቲ ጉባኤ ክሳተፉ ምስ ሃገር ቦቆል ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ብምትእስሳር ኢትዮጵ ንቢዝነስ ዲፕሎማሲ ዝሃበቶ ትኹረት ዘርእይ ከምዝኾነ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!