ኢትዮጵያ ኣፍራይነት ብምዕባይ ሉኣላውነት ምግቢ ንምርግጋፅ ትሰርሕ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ተግባራዊ ምምሕያሽ ስርዓት ምግቢ ካብ ኣፍራይነት ክሳብ ተረባሕነት ዕዉት ውፅኢት ተመዝጊቡ ኢሉ ኢንስቲትዩት ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ኢትዮጵያ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ማንደፎሮ ንጉሴ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ፍኖተ-ካርታ ምግቢ ብምድላውን ካብ ኣፍራይነት ክሳብ ተረባሕነት ዘለው ስራሕቲ ብምስራሕ ሉኣላውነት ምግቢ ንምርግጋፅ ትሰርሕ ኣላ።

ዓወት ትግበራ ስግግር ስርዓት ምግቢ ሕድሕድ ዜጋ ጥዕንኡ ዝሓለወ ኣመጋግባ ኣብ 2030 ዓ.ም ክህልው ምግባር ምዃኑ ሓቢሮም፤ ኣፍራይነት ብምዕባይ ሉኣላውነት ምግቢ ንምርግጋፅ ይስራሕ ኣሎ።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ መሳይ ሃይሉ (ዶ/ር) ብግዲኦም፤ ከም ትሩፋት ሌማት ዝኣመሰሉ ኣተገባብራታት ስርዓት ምግቢ ኣብ ምምሕያሽ ውፅኢት ከምዘርኣዩ ኣብሪሆም።

ብክብረወሰን ኑሩ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment