ኢትዮጵያ እስርቲ ጂኦግራፊ ኮይና ንዘላለም ክትነብር ኢለሉ ዝሓስብ ኢትዮጵያዊ እንተሃሊዩ ዝሞተ ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ኢትዮጵያ እስርቲ ጂኦግራፊ ኮይና ንዘላለም ክትነብር ኢለሉ ዝሓስብ ኢትዮጵያዊ እንተሃሊዩ ዝሞተ ኢዩ ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝፀሓፉዎ ስነ ስርዓት ምረቓ መፅሓፍ “የመደመር መንግስት” ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ኢትዮጵያ ሰላም ኣቐዲማ ድኽነት ክትዋጋእ ኢያ ኢሎም።

ኢትዮጵያ መውፅኢ መእተዊ በራ ክተዳሉ ኢያ እዚ ጉዳይ ዘይተርፍ ኢዩ ዝሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ እዚ እንትዕወት ምናልባት ንሕና ዘይክንህሉ ንኽእን ኢና ነገር ግን ደቅና ኣብ ዝተዓፀወት ሃገር ዝነብሩ ድኻታት ዘይኮኑ ደቂ ሰራሕቲ ታሪኽ ኮይኖም ካብ ርእሶም ሓሊፎም ካልኦት ሃገራት ዝሕግዙ ክኾኑ ኢዮም ኢሎም።

ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምርካብ ኲናት የድልያ ኢዩ ኢላ ከምዘይትኣምን ከምኡ እውን ሕቶኣ ብሰላማዊ መገዲ እናቕረበት ከምዝፀንሐት ብምግላፅ÷ ቀይሕ ባሕሪ መሊስካ ንምሕታት ዝሰግእን ዝጠራጠርን ትውልዲ ክህሉ ኣይግባእን እውን ኢሎም።

ንኢትዮጵያ ቆሊፉ ድኻ ካብ ዝገበራ ፀገም በሪ ባሕሪ ክትገላገል ኣለዋ ኢልና ነኣምን ኢና፤ ኣብዚ ጉዳይ ምስ ማንም ብሰላማዊ መገዲ ንምዝታይ ፍቓደኛታት ኢና ክብሉ እውን ኣገንዚቦም።

ፅባሕ ኢትዮጵያ ካብ ባዕላ ሓሊፋ ንኣሕዋት ሃገራት ትሕግዝ ክትከውን ኣለዋ፤ እዚ ጋህዲ ንምግባር ድማ መንግስቲ የድልያ ዝበሉ ኣቢይ (ዶ/ር)÷ መንግስቲ ሎሚ ኮይኒ ፅባሕ ክፈልጥ ኣለዎ ኢሎም።

ብሶስና ኣለማየሁ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment