ኢትዮጵያ እትውግኖም ስራሕቲ ልምዓት ነቲ ዘዞባ ዘተኣሳስሩ ከምዝኾኑ ብተግባር ኣርኢያ – ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ እትውግኖም ስራሕቲ ልምዓት ካብ ባዕላ ሓሊፋ ኣብቲ ዞባ ብሓበራዊ ተረባሕነት ዘተኣሳስሩ ከምዝኾኑ ብተግባር ኣርኢያ ኢያ ኢሉ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ፡፡

እቲ ኣገልግሎት ሎሚ መዓል ኣን ዘውፀኦ መግለፂ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን መዓልታዊ ዝብሰሩ ውፅኢታት ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ሕልኽላኽን ዓብዪን ስራሕ ናይ ምትሕብባርን ምምራሕን ዓቕሚ ከምዝፈጠረት መርአያ ኢዮም ኢሉ።

ዝጀመርናዮ ዛዚምና ንትውልዲ ናይ ምሕልላፍ ባህሊ እናተነፀ ምምፅኡ ንፅባሕ ኢትዮጵያ ልዑል ተስፋ ሰኒቑ ኣሎ ክብል ኣብ መግለፂኡ ኣመልኪቱ፡፡

ሓፈሻዊ ትሕዝቶ መግለፂ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፡-

“ካብ ሕልሚ ናብ ሓቂ፡ ኢትዮጵያ ሞተር ዞባዊ ምዕባለን ማእኸል ዝሕደስ ሓይለ ኣፍሪካን!”

ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ኣብ ሓዱሽን ብሩህን ምዕራፍ ትርከብ። ትማሊ እነሓልሞም ዝነበሩ ዓቤቲ ራኢታት ሎሚ ብተግባር ተተርጒሞም ተረባሕነት ዜጋታት ዘረጋግፁ፣ ክብሪ ሃገር ዝሕደሰሎምን ዞባዊ ምትእስሳር ዝጠናኸረሎምን ህያው ሓቂታት ኮይኖም ኢዮም።

ትማሊ ብመሪሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መራሕቲ ሃገራት እቲ ዞባ ኣብ ዝተረኸቡሉ ዝተመረቑ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ ተምሳሌት ምዕባለ ናይ ምዃን ሕልማ ንምዕዋት ዝሓዘቶ ፅኑዕ ቅዋም መርአያ ኢዮም።

እዚ ታሪኻዊ ዕለት ኢትዮጵያኻሓደ ወገን ሉኣላዊነት ዝሕደስ ሓይሊ እተረጋግፀሉ መፈልፈሊ ሓይሊ ንፋስ ኣይሻ-2 ፣ ብኻሊእ መዳይ ድማ ዓውዲ ቱሪዝምን ክብሪታት ባህሊን ክብ ዘብል ኣካላ መኣዲ ንትውልዲ ዝኾነ ሸበሌ ሪዞርት ንዓለም ዘፋለጠትሉ ኣጋጣሚ ኢዩ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሃገርና እናተርኣየ ዝርከብ ዝለዓለ ዓወት እቶም ፕሮጀክታት ተዛዚሞም ምምራቖም ጥራሕ ዘይኮነስ ፕሮጀክት ጀሚርካ ምዝዛም ዕለታዊ ተግባራትና መለለይና ምዃኑ እውን ኢዩ።

ኣብ ሕድሕድ መዓልቲ ዝብሰሩ ውፅኢታት ኢትዮጵያ ዝኾነ ይኹን ዝተሓላለኸን ዓብዪን ስራሕ ናይ ምትሕብባርን ናይ ምምራሕን ዓቕሚ ከምዝፈጠረት መርአዪ ኢም።

ዝጀመርናዮ ዛዚምና ንትውልዲ ብሓድጊ ናይ ምሕልላፍ ባህሊ ኣብ ሃገርና እናተነፀ ምምፅኡ ንፅባሕ ኢትዮጵያ ልዑል ተስፋ ሰኒቑ ኣሎ፡፡

ኣብ ምረቓ እዞም ፕሮጀክታት መራሕቲ ሃገራት እቲ ዞባ ብሓባር ምርኻም ረብሑኡ ልዐል ኢዩ፡፡

ኢትዮጵያ እትውግኖም ስራሕቲ ልምዓት ኩሎም ካብ ባዕላ ሓሊፎም ንጎረባብታ ዝተርፉን እቲ ዞባ ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነት ዘተኣሳስሩን ከምዝኾኑ ብተግባር ኣርኢያ ኣላ።

ብሓፈሻ ትማሊ ብስእነት ሰላም ይፍለጡ ዝነበሩ ከባቢታት ሎሚ ተምሳሌት ልምዓት ምዃኖም፣ ሃገርና እናሃነፀቶ ትርከብ ሰላም ንልምዓት ማእገር ከምዝኾነ ዘረጋግፅ ኢዩ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ጩራ ምዕባለ፣ ማእኸል ዝሕደስ ሓይሊ ኣፍሪካ ኮይና ምዝላቓ ክትቅፅል ኢያ!

ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment