ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ እናመዝገበቶ ንእትርከብ ኩለመዳይ ልምዓት ተሳትፎ ዜጋታታ ዕዙዝ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ፡፡
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ኣዳማ “ብስራታት ጉባ፤ ትሩፋታ መንግስቲ መደመር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ህዝባዊ ዘተ ተኻዱ።
ኣብቲ መድረኽ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ሓዊሱ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳን ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ኦሮሚያ ቶላ በሪሶ (ዶ/ር)ን ተረኺቦም፡፡
ኣይተ ኣሕመድ ሽዴ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልዕእኽቲ÷ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ውፅኢት እናመፅአ ከምዝኾነ ኣልዒሎም።
ብፍላይ ድማ ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ኢንዱስትሪን ካልኦትን ዓቕሚ ሃገር ኣዚዮም ዝዕብዩ ስራሕቲ ከምዝተወገኑ ኣብሪሆም።
ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣርን ኩነታት ናብራ ኣብ ምቕላልን እውን ልዑል ትኹረት ተዋሂቡ ተረባሕነት ሕብረተሰብ ዘረጋግፁ ስራሕቲ ተሰሪሖም ክብሉ ተዛሪቦም።
ኣብ ልምዓት መዓድን ብዝተሰርሐ ስራሕ ልዑል እታወት መዓድን ብምርካብ መጠን ኤክስፖርት ምዕባይ ተኻኢሉ ኢሎም።
ኣብ መዳይ ቴክኖሎጂ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ፍልፍል ቴክኖሎጂ ብምግባር መናእሰይ ኣብቲ ዓውዲ ብስፍሓት ብምውፋርን ውፅኢታት ከምዝተረኸቡ ኣመልኪቶም፡፡
ብታምራት ደለሊ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!