ኢትዮጵያ እናተግበረቶ ትርከብ ናይ ሪፎርም ስጉምቲ ንኢኮኖሚያዊ ዕቤት እታ ሃገር ልዑል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ – ኣይ ኤም ኤፍ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ እናተግበረቶ ትርከብ ናይ ሪፎርም ስጉምቲ ንኢኮኖሚያዊ ዕቤት እታ ሃገር ልዑል ኣበርክቶ ኣለዎ ኢሉ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ)።

ኣብ መንጎ ሚኒስቴር እቶት ኢትዮጵያን ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ)ን መዛዘሚ ኣኼባ ተኻይዱ።

ኣብቲ ኣኼባ ሚኒስትር ዴኤታ እቶት ያስሚን ውሃብረቢ ከምዝገለፀኦ፤ ኢትዮጵያ ኣጀንዳታት ሪፎርም ንምቕፃልን ሓፈሻዊፃኮኖሚ ዕቤታ ንምጥንኻርን ዝዓለሙ ቀንዲ ተግባራት ትፍፅም ኣላ።

እቶም ስራሕቲ ሪፎርም ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅን ኣፈፃፅማ እታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ንምምሕያሽን ልዐል ግደ ከምዘለዎም ብምሕባር፤ እዚ ድማ ኣብ ጥንኩር ኣመራርሓን ሓገዝን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) እናተተግበረ ከምዝርከብ ኣብሪሀን።

እቲ ሚኒስቴር ኣተኣኻኽባ እቶት ንምጥንኻርን ሃፍቲ ውሽጢ ሃገር ንምንቅስቓስ ዓቕሚ ንምዕባይን ዝተዳለዉ ብዙሓት መሰረታዊ ስራሕቲ እናካየደ ከምዝርከብ እውን ፀሪሐን።

ኣብ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ) ምክትል ሓላፊት ክፍሊ ምሕደራ እቶት ሪበካ ስፓርክማን ብወገነን፣ ኢትዮጵያ እተካይዶ ዘላ ናይ ሪፎርም ስራሕ ንኢደን።

ስጉምትታትን ትልሚታትን ሃገራዊ ሪፎርም ኢትዮጵያ ንኢኮኖሚያዊ ዕቤት እታ ሃገርን ንሰፊሕ ኣጀንዳ ልምዓትን ልዑል ኣስተዋፅኦ ክገብሩ ዘኽእሎም ዓቕሚ ከም ዘለዎም ብምግላፅ፤ ኣይ ኤም ኤፍ ንፃዕርታት ለውጢ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ዘለዎ ቆራፅነት ኣረጋጊፀን።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዘተ ኣብ መንጎ ሚኒስቴር እቶትን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብን ዘሎ ምትሕብባር ንምዕባይ፣ ናይ ውሽጢ ሃገር እቶት ኣተኣኻኽባ ንምጥንኻርን ዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ንምስፋሕን ኣብ ምርድዳእ ከም ዝተበፅሐ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመልክት።

Comments (0)
Add Comment