ኢትዮጵያ ከይዲ ኮፕ32 ንምትግባር ቆራፅ ኢያ – ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፕሬዚዳንት ኮፕ32ን ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ከይዲ ዓለም ለኸ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ (ኮፕ32) ንምትግባር ቆራፅ ኢያ ኢሎም።

ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)ፕሬዚዳንት ኮፕ21 ምስ ዝኾኑ ሎረን ፋቢየስ ዕዉት ጉባኤ ኮፕ32 ንምክያድ ኣስተዋፅኦ ክህልዎም ኣብ ዝኽእሉ ጉዳያትን ካብ ዝሓለፉ ናይ ኮፕ ጉባኤታት ኣብ ዝተረኸቡ ትምህርቲታትን ግንዛበታትን ብምጥማት ሎሚ መዓልቲ ተዛቲዮም።

‎ሎረን ፋቢየስ ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ምክልኻል ዓለም ለኸ ክሌማዊ ለውጢ ልዑል ዓወት ዝተመዝገበሉ ስምምዕነት ፓሪስ ብምፅዳቕ ዝተዛዘመ ኮፕ21 ዝመርሑሉ ልምዲ ኣካፊሎም። ‎

‎‎ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)ስምምዕነት ፓሪስ ንስጉምቲታት ዓለም ለኸ ክሌማዊ ለውጢ ዘላቒ ረብሓ ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ክሌማዊ ለውጢ ዘስዕቦ ኣሉታዊ ፅዕንቶ ንምፅዋር ዝተኣተዉ ቃላት ናብ ጭቡጥ ተግባር ናይ ምልዋጥ ኣድላይነት ኣፅንኦት ሂቦም።

ካብዚ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ በዓል ብዙሕ ወገን ዲፕሎማሲ እምነትን ዘጠናኽር፣ ግልፂ፣ መካተቲን ብኣባል ሃገራት ዝምራሕን ከይዲ ኮፕ32 ንምትግባር ዘለዋ ቆራፅነት ዳግም ኣረጋጊፆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment