ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኮፕ-32 ጉባኤ ንምትእንጋድ ምሕራያ ኣብ ልምዓት ተሓዳሲ ሓይሊ ዘለዋ ቁርፀኝነት ዘረጋግፅ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር)።
እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ኢትዮጵያ ንክሊማዊ ለውጢ ዘይብዳህ ሀንፀት ኢኮኖሚ ናይ ማይ፣ ፀሓይ፣ ንፋስ፣ ጂኦተርማልን ወዘተ ኣማራፅታት ሓይሊ ወሳኒ ግደ ይዋፅኡ ኣለዎ ኢሎም።
ኣብ ከባቢ ገፀር ዝነብሩ ዜጋታት ብሓይሊ ፀሓይ ተረባሕቲ ልምዓት ኤሌክትሪክ ንክኾኑ ይግበር ከምዘሎ እወን ተዛሪቦም።
ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ዘይበፅሖም ከባቢታት ገፀርን ከተማታትን ተረባሕቲ ሓይሊ ፀሓይ ንምግባር እውን ምስ መዳርግቲ ልምዓት ብምትሕብባር ይስራሕ ከምዘሎ ኣገንዚቦም።
ዕዉትነት ልምዓት ተሓዳሲ ሓይሊ ኢትዮጵያ እውን ስግኣት ክሊማዊ ለውጢ ምስዳድ ካርቦን ብምቕናስ ዓለም ለኸ ኣፍልጦ የርክባ ኣሎ ኢሎም።
ዝማዕበላ ሃገራት ዕብየተን ንምርግጋፅ ዝተጓዓዛሉ መገዲ በከልቲ ጋዛት ብምጥቃም ፅዕንቶ ክሊማዊ ለውጢ ንዓለም ዋጋ የኽፍል ከምዘሎ ኣረዲኦም።
ኣብ ኢትዮዮጵያ ዝህነፁ ኣማራፅታት ተሓደስቲ ሓይሊ መሰረተ ልምዓታት ብፅዕንቶ ክሊማዊ ለውጢ ይፍተን ንዘሎ ንዓለም ልዑል ትምህርቲ ዝህብ ከምዝኾነ ሓቢሮም።