ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪዬሽን ቁልፊ ስርዓት ሓበሬታ ልውውጥ ህዝቢ (ፒኬዲ) ኣባል ምዃና ዘረጋግፅ ሰርተፍኬት ተቐቢላ፡፡
እቲ ሰርተፍኬት ዋና ዳይሬክተር ግልጋሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ወ/ሮ ሰላማዊት ዳዊት ፕሬዚደንት ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል አቪዬሽን ም/ሚኒስተር ትራንስፖርት ካናዳን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ ካናዳ ተረኪበን፡፡
ወ/ሮ ሰላማዊት ኣብቲ እዋን ÷ኢትዮጵያ 105 ሃገራት ዝሓቖፈ ፒኬዲ ኣባል ምዃና ደሕንነት ሃገር ኣብ ምሕላው ልዑል ግደ ከምዘለዎ ተዛሪበን፡፡
ኢትዮጵያ ጥንኹር ዝኾነ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ኣቪዬሽን ስርዓት ውሽጢ ምእታው ልዑል ረብሓ ቴክኖሎጂ ካብ ምሕላው ብዝሓለፈ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ሓበራዊ ደሕንነት ዘለዋ ቆራፅነት ዘርእይ እዩ ኢለን፡፡
ኒኮላስ ሮብሰን ብግዲኦም ÷ኢትዮጵያ ናብቲ ስርዓት ብዕሊ ምፅንባራ ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን እተካይዶም ስራሕቲ ብዓለም ዝተኣመነ ክኸውን የኽእል ኢሎም፡፡
ናብ ኢትዮጵያ ብየብስም ይኹን ብኣየር ዝተጨበረበረ ሰነድ ጉዕዞ ንምምፃእ ዝፍትኑ ኣካላት ብቀሊሉ ንምፍላይ ዝረድእ ምዃኑ ሓቢሮም፡፡
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!