ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ ኣገልግሎት ፖስታ ትህብ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ድሕሪ ለውጢ ኣብቲ ዓውዲ ብዝተወገነ ስራሕቲ ምምሕያሽ ብኣገልግሎት ህፁፅ መልእኽቲ ፈላማይ ምዝ ዝኾኑ 10 ሃገራት ተርታ ምስላፍ ከምዝኸኣለ ትካል ኣገልግሎት ፖስታ ኣፍሊጡ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ዳግማዊ ሃይልዬ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓማውቲ ብዝተኻየደ ስራሕቲ ሪፎርም ዓለም ለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ ኣገልግሎት ፖስታ ኝምሃብ ተኻኢሉ ኢዩ ኢሎም።

ቅድሚ ሒደት ዓማውቲ ብስሉጥ መልእኽቲ ኣገልግሎት ፖስታ ኢትዮጵያ ትሑት ደረጃ ከምዝነበረት ኣዘኻኺሮም።

ብቐንዱ ኣብ መፅናዕቲ ዝተደረኸ መመሓየሺታት ብምግባሮም ሰፊሕ ለውጢ ብምምፃእ እቲ ትካል ብህፁፅ መልእኽቲ ኣገልግሎት ቀዳማይ ምስ ዝኾና 10 ሃገራት ተርታ ምስላፍ ተኻኢሉ ኢዩ ኢሎም።

ብፋይናንስ ድማ እቲ ሪፎርም ተግባራዊ ቅድሚ ምግባሩ እቲ ትካል ኣብ ኪሳራ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓማውቲ ብዝተወገኑ ኩለ መዳይ ስራሕቲ ለውጢ ውፅኢታዊ ምዃን ተኻኢሉ ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ ኣገልግሎት ፖስታ ትህብ ከምዘላ ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment