ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ተሳተፍቲ ፎረም ቢዝነስ ኢትዮ-ስዑድ ዓረብ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ስዑድ ዓረብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ገፀ በረከት ተፈጥሮ ንቱሪዝምን ኢንቨስትመንትን ተመራፂት ዝገብራ ኢዩ ኢሎም።
እቶም ኣባልት ጉጅለ ልኡኽ ኣብ መንደር ቤኑና ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ መብፅሒ ቱሪዝም ዑደት ኣካይዶም።
ኣብ ዑደቶም ድማ ኢትዮጵያ ንቱሪዝም ኢንቨስትመንት ምችውቲ ከምዝኾነት ምዕዛቦም ብምግላፅ፤ ኣብቶም መስሕባት ቱሪስት ዝገበሩዎ ዑደት ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምስሓብ ዝግበር ፃዕሪ ዝድግፍ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ሚኒስትር ዴኤታ ቱሪዝም እንደገና ኣበበ (ዶ/ር) ከምዝበሉዎ፤ ዓውዲ ቱሪዝም ከም ዋና ዓምዲ ኢኮኖሚ ተወሲዱ እቲ ዓውዲ ንምድንፋዕ እናተሰርሐ ይርከብ።
ሎሚ መዓልቲ ቤኑና ሓዊሱ ዝተፈላለዩ መብፅሒታት ቱሪዝም ብኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ስዑድ ዓረብ ክረአ ምግባሩ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቱሪዝምን ኢንቨስትመንት ንኽዋፈሩ ኣማራፂታት ዘመላኽት ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።
ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ስዑድ ዓረብ ብግደኦም ኣብ ዑደቶም ኢትዮጵያ ብገፀ በረከት ተፈጥሮ ዝተዓደለት ሃገር ከምዝኾነት ከምዝተዓዘቡ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ንቱሪዝም ኢንቨስትመንት ተመራፂት ዝገብራ ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ቱሪዝም ኢንቨስትመንት ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋይ ንዘፍስሱ ምቹው ኩነታት ከምዝተፈጠረ ምዕዛቦም እውን ተዛሪቦም።
ብሄብሮን ዋልታው
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!