ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብታ ኣህጉር ዘጋጥሙ ማሕለኻታት ናብ ዕድል ብምልዋጥ ዘይብዳህን ዘላቒ ስርዓት ምግቢ ንምህናፅ እናሰርሐት ትርከብ።
ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ምስ ሕብረት ሉኣላዊነት ምግቢ ኣፍሪካ ብምትሕብባር ዘሰናድኡዎ ጉበኤ መድረኽ ዘተ ሼፋት ኣፍሪካ ፖሊሲ ስርዓተ ምግቢን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ ጉባኤ ካብ ዘተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ምግቢ፣ ኣፍረይቲ ምግቢ፣ ሓንፀፅቲ ፖሊሲ፣ ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ትካላት መሓዙት ልምዓትን ተረኺቦም።
እቲ ጉባኤ ሓድጊ፣ ሕርሻን ስነ ምህዳርን፣ ስግግር ፖሊሲን ሉኣላዊነትን ስርዓተ ምግቢ ኣፍሪካ ምሕላው ኣብ ዝከኣለሎም መገዲታት ጠሚቱ ክዝቲ ኢዩ።
ተወካሊት ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ወ/ሮ ሃና ኣበበ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበለኦ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዓሚቕ ዓቕሚ ኣለዋ።
ስርዓተ ምግቢ ኣጉር ኣፍሪካ ብምውሳኽ መጠን ዋዒ፣ ኣብ ዘይተረጋገአ ኩነታት ዝናብ፣ ብመሬት ምዕራቕን ክሌማዊ ለውጢን ማሕለኻታት ከምዘጋጠሞ ኣብሪሆም፡፡
ኢትዮጵያ መሰል ማሕለኻት እታ ኣህጉር ናብ ዕድል ብምቕያር ዘላቒ ስርዓተ ምግቢ ንምህናፅ እናሰርሐት ትርከብ ኢለን፡፡
ብሶስና ኣለማየሁ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!