ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ስሎቬኒያ ናታሻ ፒርክ ሙሳር ኢ(ዶ/ር)ትዮጵያ ሓድጋን ታሪኻን ንወለዶ ከመሓላልፍ ዝኽእል ዘደንቕ መዘከሪ ዓወት ዓድዋ ሃኒፃ ኢለን፡፡
ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፃንሒት ዝገበራ እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ዝኽሪ ዓወት ሕቑፊ ዕምበባ ብምንባር እቲ መዘከሪ ተዘዋዊረን ተዓዚበን፡፡
ኣዲስ ኣበባ መቐመጢት ሕንረት ኣፍሪካ፤ ማእኸል ዲፕሎማሲ ዓለም ከም ምዃና ኣብታ ከተማ ዝውገኑ ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ዕቤት እታ ሃገር ዘርእዩ ኢዮም ኢለን፡፡
ኢትዮጵያን ስሎቬኒያን ኩለመዳይ ዲፕሎማሲያዊ ርክበን ንምጥንኻር ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምትሕብባር ከምዝሰርሓ እውን ኣረጋጊፀን፡፡
ኢትዮጵያ ምልክት ናፅነት ፀለምቲ ህዝቢታት ዓለም ዝኾነ ዓወት ዓድዋ ትውንን ከምዝኾነት ብምሕባር፤ ከም ዓድዋ ዝበሉ ታሪኻት ዓወት ንምሕላው ኢትዮጵያ ዝወገነቶ ተግባር ዝድነቕ ኢዩ ምባለን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ቅልጡፍን እዋናዊን ሓበሬታታት ንምርካብ፡-
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebookwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!