ኢትዮጵያ ዞባዊ ምትእስሳር ንምዕባይ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ባቡር ተስፋሕፍሕ ኣላ – ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ዞባዊ ምትእስሳር ንምዕባይ ፍርያት ኣታዊን ወፃኢን ንምጉዕዓዝ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ባቡር ተስፋሕፍሕ ኣላ ኢሎም ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር)፡፡
ፓርክ ኢንዱስትሪ ኤ ኤም ጂ ምስ ቀንዲ መስመር ባቡር ኢትዮ ጅቡቲ ዘራኽብ መንገዲ ባቡር ህንፀት ሃዲድ ሎሚ ተጀሚሩ።
እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያ ስምምዕነት ናፃ ቀጠናዊ ንግዲ ናብ ትግበራ ምዕራፍ ንምስግጋር እናሃነፀት ትርከብ፡፡
ዞባዊ ኢኮኖሚ ምትእስሳር ዝዓለመ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ዘይሕሰብ ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፣ ነዙይ ድማ ኣብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ባቡር ትኹረት ተዋሂቡ ይስራሕ ከምዘሎ ሓቢሮም፡፡
ብመራኦል ከድር
Facebook FBC Tigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment