ኢትዮጵያ ጉባኤ ኮፕ32 ክተተኣናግድ ዝተመረፀት ተሰማዕነታ ብምውሳኹን ኣብ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ዘመዝገበቶ ዓወትን ኢዩ – ኣይተ ከበደ ዴሲሳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ጉባኤ ኮፕ32 ክተተኣናግድ ዝተመረፀት ተሰማዕነታ ብምውሳኹን ኣብ ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ዘመዝገበቶ ዓወትን ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ዲኤታ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣይተ ከበደ ዴሲሳ፡፡

ኢትዮጵያ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2027 ዝካየድ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ሕቡራት መንግስታት “ኮፕ32” ንኽተተኣናግድ ኣብ ብራዚል ቤለም ኣብ ዝተኻየደ ኮፕ30 ምምራፃ ዕላዊ ተገይሩ ኢዩ።

ኣይተ ከበደ ዴሲሳ ኢትዮጵያ ምምራፃ ኣመልኪቶም ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ፤ ኢትዮጵያ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻን መድረኻት ናይ ምትእንጋድ ዓቕማ ወሲኹ ኢዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 2ይ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኣፍሪካን ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካን ካረቢያን ሓዊሱ ልዕሊ 150 ኣህጉራዊን ዓለም ለኸን ጉባኤታት ከምዘተኣናገደት ኣዘኻኺሮም።

ልዕሊ 50 ሺሕ ዝኾኑ ተሳተፍቲ ዝዕደሙሉ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ሕቡራት መንግስታት ኢትዮጵያ ክተተኣናግድ ዝተመረፀት ብቕዕቲን ኮይና ብምርካበ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

መሰረተ ልምዓት ካብ ምምላእ ሓሊፉ እታ ሃገር ዲፕሎማሲያዊ ዓቕማ ምጥንኻሩን ተደማፅነታ ምውሳኹ፣ ዓለም ለኸ ጉባኤታት ብብቕዓት ምትእንጋዳን ተሳታፍቲ ድሕንነቶም ዝተሓለወ ምዃኑን ንኽትምረፅ ከምዝገበራ ኣብሪሆም።

ንሓምለዋይ ኢኮኖሚ ዝሃበቶ ትኹረትን ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣስርን ዘመዝገበቶ ዓወት ከምኡ እውን ዝሕደስ ሓይሊ ብምጥቃም ክሌማዊ ለውጢ ዝስዕቦም ሓደጋታትን ፅዕንቶታትን ንምፅዋር ትገብሮ ፃዕሪ ተመራፂት ክትከውን ገይሩዋ ኢዩ ኢሎም።

ብኣቢይ ጌታሁን

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment