ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኢትዮጵያ ጠንካራን ዘላቕነት ዘለዎን ኢኮኖሚ ትሃንፅ ኣላ ኢሎም።
ኢኮኖሚክ ኣሶሴሽን ኢትዮጵያ ዘሰናደኦ መበል 22 ዓለም ለኸ ኮንፈረንስ ይሳለጥ ኣሎ።
ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኣብ መኽፈቲ እቲ ኮንፈረንስ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ተግባራዊ ኣብ ዝተገበረ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ብዙሓት ውፅኢታት ይምዝገበሩ ኣለዉ ኢሎም።
ብመሰረት እዚ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብልዑል ብርኪ ይውስኽ ከምዘሎ ኣረዲኦም።
ኩለ መዳይ ፍሪያት ውሽጢ ዓዲ ከብ ንምባል ተተሊሙ ይስራሕ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ናይ ዋጋ ዝቕባበ ናብ ነፀላ ኣሃዝ ንምውራድ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ገሊፆም።
መንግስቲ ኢትዮጵያን ናይ ሐዚ ትውልዲን ጠንካራ ኢኮኖሚን ሃገረ መንግስቲን ንምህናፅ ጠመተ ብምሃብ ይስራሕ ኣሎ እውን ኢሎም።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!