ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ኢኮኖሚ ትኹረት ዝገበረ 3ይ ፎረም ፈጠራ ዕድል ስራሕ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ።
እቲ ፎረም ኣብ ቀፃሊ ካብ 30 ሰነ ክሳብ 30 ሓምለ 2017 ዓ.ም ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ከምዝካየድ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ተዛሪበን፡፡
እተን ሚኒስትር ኣብ መግለፂኤን ከምዝበልኦ÷ ኣብቲ ፎረም ሚኒስትራት ዝተፈላለያ ሃገራት፣ ኢንቨስተራት፣ ተመራመርትን ፈጠርቲ ስራሕን ሓዊሱ ልዕሊ 1 ሺሕን 500 መዳርግቲ ኣካላት ክሳተፉ እዮም፡፡
እቲ ፎረም ንዝሓለፉ ክልተ ተኸታተልቲ ዓመታት ከም ኣህጉር ዘሎ ዓሙቕ ሃፍቲ ናብ ርኡይ ዓቕሚ ንምቕያር ዕድላት ብዝፈጥር መልክዑ ምክያዱ ኣዘኻኺረን፡፡
ህልው ኩነታት ኣብ ግምት ብዘእተወ መልክዑ ዓቕሚ መናእሰይ ንምጉልባትን ዕድላት ንምጥቃምን ዓቕሚ ዝፈጥር ምዃኑ ብምሕባር፤ ናይ ሎሚ ፎረም ኣብ ሕርሻ ክፍለ ኢኮኖሚ ትኹረት ክገብር እዩ ኢለን፡፡
ብወንድሙ ኣዱኛ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!