ኢትዮጵያ 5ይ ፀወታ ኦሎምፒክ መናእሰይ ኣፍሪካ ንኽተሰናድእ ተመሪፃ

‎ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)‎ኢትዮጵያ 5ይ ፀወታ ኦሎምፒክ መናእሰይ ኣፍሪካ ንኽተሰናድእ ተመሪፃ፡፡

‎4ይ ፀወታ ኦሎምፒክ መናእሰይ ኣፍሪካ እናተኻየደ ኣብ ዝርከበላ ኣንጎላ ከተማ ሉዋንዳ ኣብ ዝተገበረ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኢትዮጵያ ነቲ ውድድር ንምስንዳእ ሕቶ ኣቕሪባ ተቐባልነት ረኺቡ፡፡

‎ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሊምፒክ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስ፤ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ 5ይ ፀወታ ኦሎምፒክ መናእሰይ ኣፍሪካ ኣብ ምስንዳእ ጠሚቶም ነቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ መደረ ኣስሚዖም።

‎እቶም ‎ፕሬዚዳንት ኣብ መደረኦም መንግስቲን ህዝቢን ኢትዮጵያ እዚ ዓብዪ ኣህጉራዊ ውድድር ንምስንዳእ ልዑል ድሌት ከምዘለዎም ኣብሪሆም፡፡

‎‎ብመሰረት እቲ ሕቶ ድማ እቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንህቶ ምስንዳእ ኢትዮጵያ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ።

ብሙባረክ ፋንታው

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment