ኢትዮ ቴሌኮም ምስ ኩባኒያታት ቴሌኮም ጅቡቲን ሱዳንን ባሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮ ቴሌኮም፣ ቴሌኮም ጅቡቲን ግሩፕ ሆራይዘን ሱዳቴልን ዶብ ተሳገርቲ ዝርገሐ መስመር ፋይበር ጋህዲ ንምግባር ዘኽእል ሰለስተኣዊ ስምምዕነት ሎሚ መዓልቲ ኣብ ጅቡቲ ተፈራሪሞም።

ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ እቲ ሰለስተኣዊ ስምምዕነት ሓበራዊ ዕጫ መፃኢ ዲጂታል ንምህናፅ ዘኽእል ኢዩ።

ኢኒሼቲቭ ሆራይዘን ፋይበር ጥኝኩርን ልዑልን ዓቕሚ ዘለዎ ከምኡ እውን ንኣፍሪካ ብዲጂታል ዘተኣሳስር ኮሪደር ኮኔክቲቪቲ ንምፍጣር ዝተወሰደ ወሳኒ ስጉምቲ ከምዝኾነ ሓቢረን።

ብፍላይ ፋይበር ኬብላት ውሽጢ ባሕሪ ጅቡቲ ብኢትዮጵያ ኣቢሎም ምስ ሱዳን ብምትእስሳር ዞባዊን ዓለም ለኻኻ ምትእስሳር ዘጠናኽር፣ ዘተኣማምን ናይ ምድሪ መስመር ተግባራዊ ከምዝገብ ኣብሪሀን።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ቴሌኮም ጅቡቲ መሓመድ ኣሶዌ ቡህ ብግደኦም÷ ፕሮጀክት ሆራይዘን ንሓበራዊ ዕቤትን ምዕባለን እተን ሃገራት ዘለና ራኢ መሰረት ብምግባር ኣብቲ ዞባ ምትእስሳር መሰረተ ልምዓት ቴሌኮም ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብብርኪ ዓለም ተወዳዳሪ ዝኾነ ስትራቴጂካዊ መሰረተ ልምዓት ብሓባር ናይ ምህናፅ ዓቕሚ ዘርኢን ዲጂታል ሉኣላዊነት ብምጥንኻር ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ዘሎ ግደ ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እዚ ፕሮጀክት ካብ ህንፀት መሰረተ ልምዓት ሓሊፉ ኣብ ሞንጎ ቴሌኮም ኦፕሬተራት ኣፍሪካ ንዝግበር ምሕዝነት ፈጠራ ህያው ምስክር ኢዩ ዝበሉ ድማ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሱዳቴል ማግዲ ሞሃመድ ኢዮም።

ዝተፈረመ ስምምዕነት ልዑል ዓቕሚ ዘለዎ ዶብ ተሳጋሪ መሰረተ ልምዓት ኦፕቲካል ፋይበር ንምስንዳእን ዞባዊ ዲጂታል ምትእስሳር ናብ ዝዓዘዘን ዘተኣማምንን ብርኪ ንምስጋር ዘኽእል ከምዝኾነ ኢትዮ ቴሌኮም ንፋና ዲጂታል ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ገሊፁ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment