ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮ ኢንጂነሪንግ ግሩፕ ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ብዝተጠናኸረ ኩነታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ብምትካእ ሸርፊ ወፃኢ እናድሓነ ይርከብ ም/ሥራ ፈፀሚ ስራሕ ኣይተ ዳንኤል ኦላኒ ግሩፕ፡፡
ኣይተ ዳንኤል ኦላኒ ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ ብሸርፊ ወፃኢ ዝኣትዉ ፍርያታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ናይ ምፍራይ ስራሕ ዘበረታዕ ውፅኢት እናመዝገበ ይርከብ፡፡
እቲ ግሩፕ ዝተፈላለዩ ትራክተራት፣ ማሽናት መለዋወጢ ኣቑሑት መኪና፣ ማሽነሪታት ህንፃ፣ ትራንስፎርመር፣ ንልምዓት ኮሪደር ዝኾኑ ናይ መገዲ ፖልን ካልኦት ፍርያታትን ብፅሬት እናፍረየ ይርከብ ኢሎም፡፡
ብፍላይ ልምዓት ሕርሻ ዘዕብዩ መራርሒታት ሕርሻ ብምግጥጣምን ብምፍራይን ንሓረስቶት ተበፃሒ እናገበረ ይርከብ ኢሎም፡፡
ንትራክተር ዝኾኑ ከም ማሕረሻ፣ መኸስከሲ፣ መዝበጢ ከምኡ እውን ፓምፕታት መስሐቢ ማይ ብስፍሓት ብምፍራይ ከምዘከፋፍል እውን ኣመልኪቶም፡፡
በዚ ድማ ብዙሕ ሸርፊ ወፃኢ ካብ ምድሓን ሓሊፉ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ተበፃሒ ምግባር ከምዝተኽኣለ ገሊፆም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!