ኢኒሼቲቭ ኣቮካዶ ዝሐሸ ውፅት ይረኣየሉ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ሕርሻ ኢኒሼቲቭ ኣቮካዶ ኣብ ጅማሮ ዝርከብ ይኹን እምበር ዝሐሸ ውፅኢት እናመዝገበ ይርከብ ኢሉ፡፡

ኣብቲ ሚኒስቴር መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ ልምዓት ሆልቲካልቸር ኣብደላ ነጋሽ ከምዝበሉዎ፤ እናተተኸሉ ካብ ሞንጎ ዝርከቡ ፈልሲታት ፍራምረ ኣቮካዶ ክሳብ 80 ሚኢታዊ ብፅሒት ኣለዎ።

ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ማእኸላይ ኢትዮጵያን ካልኦት ክልላትን ዝተመሓየሹ ዓሌታት ኣቮካዶ ብኩታ ገጠምን ብመስኖ ብስፍሓት እናፈረዩ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም፡፡

እቲ ኢኒሼቲቭ ውፅታዊ ንኽኸውን ሓምለዋይ ኣሰር ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ብምሕባር፤ ካብ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ነቲ ዓውዲ ሓገዝ ፋይናንስ ምግባር ከምዝጅመር ገሊፆም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ ብጥሪኡን ተቐነባቢሩን ካብ ዝተልኣኸ ፍርያት ኣቮካዶ ልዕሊ 2 ነጥቢ 9 ሚሊየን ዶላር ከምዝተረኸበ ኣፍሊጦም፡፡

ብኣልማዝ መኮንን

Comments (0)
Add Comment