ኢንስቲቲዩት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ምስ ሃገራዊ ራኢን ሕልሚን ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ዝተርኣዩሉ ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስት ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢንስቲቲዩት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ምስ ራኢ ሃገራዊ ሕልሚ ዝተኣሳሰሩ ጉዳያት ዝተርኣዩሉ ኢዩ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስት ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ኢንስቲቲዩት ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያ ዑደት ኣብ ዝገበሩሉ እዋም÷ እቲ ኢንስቲትዩት ሓሳብ ዘለዎም መናእሰይ ሓሳቦም ንኽውለድ ዝገብር ውፅኢት ፅቡቕ ሓሳብ ኢዩ።

ኣብቲ ትካል መናእሰይ ሓሳቦም ሒዞም ብምምፃእን ብምሕጋዝን ራኢኦም ጋህዲ ንኽኸውን ካብ ምግባር ሓሊፉ ምስ ኢንዱስትሪ ብምርኻብ ናብ ቢዝነስ ክዓብዩ ዘኽእል ኩነታት ምፍጣሩ ዘደንቕ ኢዩ ኢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ልዕሊ 200 መናእሰይ እናተሳተፉ ከምዝርከቡ ብምሕባር÷ እዚ ድማ መንግስቲ ኣብ ትውልዲ ክሰርሕ ከምዘለዎ ዘመላኽትን ዝጭበጥን ተግባር ዝተርኣየሉ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ሞንጎ መንግስቲን ሓሰብ ዘለዎም መናእሰይን ዘሎ ርክብ ኣብ ውሽጢ ቤት ትምህርቲ ብሕላፍ ጥራሕ ክውሰን ከምዘይብሉ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ፍሉይ ተውህቦ ዘለዎም ሰባት እናተሓገዙ ሓሳቦም ንኸደንፍዑ ምግባር እንተተኻኢሉ ብዙሓት ሓሳባት፣ ስራሕቲ ከምኡ እውን ኩባንያታት ይፍጠሩ ኢሎም፡፡

ኣብ ኣፍሪካ ጀሚርካ ምዝዛም ኣይከኣልን፤ ኣይትኽእሉዎን እሞ ኣይትፈትኑዎ ዝብል ነገር ክእረም ዘለዎ ሓሳብ ኣሎ፤ ንመናእሰይ ዘኽእል ኩነታት፣ ፖሊሲን ዝፍትነሉ ዓውዲን እንተፈጢርናሉ ፅቡቕ ውፅኢት ክንረክብ ንኽእል ኢና ኢሎም፡፡

ምስ ሃገራዊ ሕልሚን ራኢን ተኣሳሲሮም ዝረኣዩ ጉዳያት ኣብቲ ትካል ስለዝተንፀበረቑ ንትውልዲ ተስፋ ዝህብ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እቲ ኢንስቲትዩት ዝርከበሉ ብርኪ ብመንፅር ካልኦት ሃገራት እንትረአ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ብልዑል ብርኪ ረብሓ ዘለዎን ትውልዲ ፅባሕ ዝኾርዐሉን ስራሕ ከምዝኸው ተስፋ ይገብር ኢሎም።

ብዮናስ ጌትነት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment