ኢንተርናሽናል ባንኪ ኣንበሳ ለውጢ መፍለዪ (ብራንድ) ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ኣንበሳ ዝህቦም ኣገልግሎታት ብሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ንምቅልጣፍ ዘኽእል ለውጢ መለለዪ (ብራንድን ስያመን ገይረ ኢሉ።

እቲ ባንኪ ናይ ስያመን ሎጎ ለውጢ ዝገበረሉ ሓዱሽ ብራንድ ዕላዊ ገየሩ።

ቅድሚ ሕዚ “ኢንተርናሽናል ባንኪ ኣንበሳባንክ” ዝብል ስያመኡ ባንኪ ኣንበሳ ብዝብል ከምዝተከአ እቲ ባንኪ ዕላዊ ገይሩ፡፡

ምስሊ ኣንበሳ ዝነበረ ሎጎኡ ናብ “ጭረት” ብምልዋጥ መሪሕ ቃሉ ድማ “ንጀምሮ” ምባሉ ዕላዊ ገይሩ።

ኣካቢ ዳሬክተራት ቦርድ ባንኪ ኣንበሳ ኣለሙ ኣስፋው፤ እቲ ባንኪ  ዲጂታል ቴክኖሎጂን ብምቅልጣፍ ግቡእ ኣገልግሎት ፋይናንስ እናሃበ ከምዝርከብ ተዛሪቦም።

ናይዚ ኣገልግሎት ሓደ ኣካል ዝኾነ ሓዱሽ መለለዪ (ብራንድ) እቲ ባንኪ ዕላዊ ከምዝገበረ ዝሓበሩ እቶም ኣካቢ፤ እቲ ሓዱሽ መፍለዪ ቀፃሊ ጉዕዞ ዓወት ባንኪ ኣንበሳ ዘመላኽት ኢዩ ኢሎም።

እቲ ሓዱሽ መለለዪ ባንኪ ኣንበሳ ንዓማዊል ዝህቦ ኣገልግሎት ግዚኡ ዘጠልቦ፣ ብቴክኖሎጂ ዝደንፈዐ ንኽኸውን ዝሕግዝ ኢዩ እውን ኢሎም።

ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ኣይተ ዳንኤል ተከስተ ብግደኦም፤ እቲ ለውጢ መለዪ (ብራንድ) ምስ ታሪኻዊ ኣወዳድባ እቲ ባንኪ ዝተኣሳሰረ ኢዩ ኢሎም።

“ሓዱሽ ለውጢ ምልዋጥ ሎጎ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ባንኪ ለውጢ ስትራተጂካዊ ‘ፖዝሽን’ ከምዝገበረ ዝሕብር ታሪኻዊ ምዕራፍ ኢዩ” ኢሎም።

ብገብረማሪያም ወ/ገሪማ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment