ኢንተር ሚላን ምስ ኣርሰናል – ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀወታታት ሻምፒየንስ ሊግ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 7ይ ዙር ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ትሽዓተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም።

ኣብ ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ እዚ ውድድር ዓመት ብብሕትነት ኩሎም ፀወታታት ክትስዕር ዝኸኣለት ኣርሰናል፤ ናብ ጣሊያን ብምምራሕ ምሸት ሰዓት 5 ምስ ኢንተር ሚላን ክትገጥም ኢያ።

ኣብቲ ዕለት ፈላማይ መርሃ ግብሪ ምሸት ሰዓት 12፡30 ካይራት ኣልማቲ ምስ ክለብ ብሩጅ ክራኸባ ኢየን።

ኣብ መወዳእታ እቲ ሰሙን ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ብናይ ከተማ ተናሓናሒታ ማንቼስተር ዩናይትድ ስዕረት ዘተኣናገደት ማንቼስተር ሲቲ፤ ናብ ኖርዌይ ብምጉዓዝ ምሸት ሰዓት 2፡45 ምስ ቦዶ ግሊምት ክትገጥም ኢያ።

ሪያል ማድሪድ ምስ ሞናኮ፣ ስፖርቲንግ ሊዝበን ምስ ፒኤስጂ፣ ኮፐንሃገን ምስ ናፖሊ፣ ቶተንሃም ሆትስፐር ምስ ቦሩሺያ ዶርትመንድ፣ ቪያሪያል ምስ ኣያክስ ኣምስተርዳም ከምኡ እውን ኦሎምፒያኮስ ምስ ባየር ሊቨርኩሰን ብተመሳሳሊ ሰዓት 5 ሰዓት ዝግበሩ ፀወታታት ኢዮም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment