ኢንተር ሚላን ዶ ባርሴሎና…

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ኢንተር ሚላን ምስ ባርሴሎና ሎሚ ምሸት ኣብ ሳንሴሮ ክራኸባ ኢየን።

ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ 3 ን 3 ማዕረ ዝተፈላለያ ክልቲአን ጋንታታት ናብ ፍፃመ ንምሕላፍ ሎሚ መዓክቲ ብርቱዕ ንሕንኽ ክገብራ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ “50 ዓመት ሓደ ግዘ ጥራሕ ዝፍጠር ተፃዋቲ” ብብምባል ብኣሰልጣኒ ኢንተር ሲሞን ኢንዛጊ ዝተነኣደ ወዲ 17 ዓመት ላሚን ያማል ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀወታ ብወገን ባርሴሎና ኣፈላላይ ዝፈጥር ተፃዋቲ ከምዝኸውን ይዝረበሉ ኣሎ።

ክልቲአን ጋንታታት ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ብዙሓት ቀወምቲ ቀወምቲ ተፃወትተን ንሎሚ መዓልቲ አዕሪፈን ኣብ ዝገበረኦ ናይ ሊግ ፀወታት ዓወት ቀኒዑወን ኢዩ።

Comments (0)
Add Comment