ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ንኢኮኖሚያዊ ምንቅስቓስ ሓንቲ ሃገር ወሳኒ ኢዩ ኢለን ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ፡፡
ቅነ መሰረተ ልምዓትን ኮንስትራክሽንን ኢትዮጵያ “ኢትዮጵያ ክትሃንፅ ኢያ፤ ፈጠራ፣ ቅልጣፈን ፅሬትን ንብራኽ መሰረተ ልምዓት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ማእኸል ኢንተርናሽናል ኮንቬንሽን ኣዲስ ኤግዚቢሽንን ፓናል ዘተ ይካየድ ኣሎ፡፡
እተን ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ኣብ ድሌት ሃገራዊ ልምዓትን ዕቤትን ኢትዮጵያ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ይርከብ፡፡
ኮንስትራክሽን ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕን ዝርገሐ መሰረተ ልምዓትን ንምቅልጣፍ እጃሙ ዕዙዝ ከምዝኾነ ብመንግስቲ ፍሉይ ትኹረትኹምርካብ ልዑል ዝላ እናርአየ ከምዝርከብ ኣብሪሀን፡፡
ኣፈፃፅማ ፕሮጀክት ሃገር በቆል ኮንስትራክሽን ድሕሪ ለውጢ ምምሕያሽ ከምዘርአየ ብምሕባር÷ ብርኪ ኣፈፃፅማ እቲ ዓውዲ ንምምሕያሽ ብዙሓት ስራሕቲ ተሰሪሖም ኢለን፡፡
እቲ ኤግዚቢሽንን ፓናል ዘተን ክሳብ 12 ሚያዚያ 2018 ዓ.ም ክፀንሕ ኢዩ፡፡