ኢዜማ መበል ካልኣይ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንመኛሕበራዊ ፍትሒ ፓርቲ ኢዜማ መበል ካልኣይ ሓፈሻዊ ስሩዕ ጉባኤኡ የሳልጥ ኣሎ።

እቲ ንክልተ መዓልታት ዝሳለጥ ጉባኤ፥ “ብሓሳብ ንነሓናሕ ስለ ሃገር ንተሓባበር” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ።

መረፃ ኣመራርሓ ፓርቲ ሓዊሱ ካልኦት ጉዳያት እውን ከምዝግበሩ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ትምህርቲን ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲን ብርሀኑ ነጋ (ፕ/ር)፥ ኢዜማ ጠንካራ ቅዋም ዘለዎ ንሃገር ቀዳምነት ዝህብ ፓርቲ ኢዩ ኢሎም።

ኢዜማ ኣብ መልላእ ሃገር ተወካሊ ዘለዎን ከም ሃገር ምድጋፍ ዝኽእልን ፓርቲ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ መረፃ ብሓሳብ ብምንሕናሕ ጣንካራ ፓርቲ ፖለቲካ ኮይኑ ከምዝሳተፍ ተዛሪቦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment