ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንመኛሕበራዊ ፍትሒ ፓርቲ ኢዜማ መበል ካልኣይ ሓፈሻዊ ስሩዕ ጉባኤኡ የሳልጥ ኣሎ።
እቲ ንክልተ መዓልታት ዝሳለጥ ጉባኤ፥ “ብሓሳብ ንነሓናሕ ስለ ሃገር ንተሓባበር” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ።
መረፃ ኣመራርሓ ፓርቲ ሓዊሱ ካልኦት ጉዳያት እውን ከምዝግበሩ ተገሊፁ።
ሚኒስትር ትምህርቲን ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲን ብርሀኑ ነጋ (ፕ/ር)፥ ኢዜማ ጠንካራ ቅዋም ዘለዎ ንሃገር ቀዳምነት ዝህብ ፓርቲ ኢዩ ኢሎም።
ኢዜማ ኣብ መልላእ ሃገር ተወካሊ ዘለዎን ከም ሃገር ምድጋፍ ዝኽእልን ፓርቲ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኣብ ቀፃሊ መረፃ ብሓሳብ ብምንሕናሕ ጣንካራ ፓርቲ ፖለቲካ ኮይኑ ከምዝሳተፍ ተዛሪቦም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!