ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ምስ ዋና ዳይሬክተር ትካል ንግዲ ዓለም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)ምስ ዋና ዳይሬክተር ትካል ንግዲ ዓለም ንጎዚ ኦኮንጆ ኢዌላ (ዶ/ር) ተዛቲዮም።

ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኢትዮጵያ ናብቲ ትካል ንምእታው ትገብሮ ከይዲ ምቅልጣፍ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ኣድሂቦም ዘትዮም።

ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ካሜሩን ያውንዴ ክካየድ ኣብ ዝተሓሰበ መበል 14 ኮንፈረንስ ሚኒስትራት ትካል ንግዲ ዓለም ኢትዮጵያ ንኣባልነት እቲ ትካል ዘድልያ ዝተረፈ ስጉምቲ ንምክትታል ዘለዎም ቆራፅነት ኣረጋጊፆም።

ኢትዮጵያ ናብ ኩለመዳይ ስርዓት ንግዲ ንምፅማባር ዘለዎ ረብሓ፣ ኣብ ዓውዲ ንግዲን ፋይናንስን ዝተገበሩ መመሓየሺታት፣ ዘላቒ ዕቤት ኢኮኖሚን ዓለም ለኸ ተወዳዳራይነት ንድጋፍ ዘለዎ ግደ ኣብቲ እዋን ዘተ ተላዒሉ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment