ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሳልማ ሃዳዲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ሕድ ሕዳዊ ዝምድና ንግዲ ብምጥንኻር ኢኮኖሚ ኣፍሪካ ምምዕባል ይግባእ ኢለን።
መበል ራብዓይ ምርኢት ንግዲ ኣፍሪካ “ኣፍሪካ መእተዊት በሪ ሓደሽቲ ዕድላት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣልጀሪያ ይካየድ ኣሎ።
እተን ምክትል ኣቦ መንበር ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘሰምዕዑ መደረ፥ ኣፍሪካ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ዘለዋ ግደ ክብ ንምባል ዝምድና ነግዲ ሕድ ሕድ ምጥንኻር ይግበኣ ክብላ ገሊፀን።
እቲ ዝምድና ንግዲ ምጥንኻር ካብ ኢኮኖሚ ንላዕሊ ኣብ መድረኽ ዓለም ተርጉም ዘለዎ ተሳትፎ ፖለቲካ ንምግባር ወሳኒ ከምዝኾነ እውን ተዛሪበን።
ኣፍሪካ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓማውቲ ብንግዲ ሕድ ሕድ ዘርኣየቶ ምንቅስቓስ ብምንኣድ እዚ ክጉልብት ከምዝግባእ ተዛሪበን።
ኣብቲ ምርኢት ንግዲ ኢትዮጵያ ሓውሱ ካብ 75 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ 2 ሺሕ ትካላት ንግዲ ይሳተፉ ከምዘለዉ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!