ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ካብ ዘመረቖም ኣዘዝቲ መርከብ ክልተ ኣሕዋት ይርከቡዎም።
ክልቲኦም ኣሕዋት ሚሊየን ታሪኩን ኣቤል ታሪኩን ትውልዶምን ዕቤቶምን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ሽሮ ሜዳ ኢዩ።
ሚሊዮንን ኣቤልን ናብዚ ዓውዲ ዝኣተዉ ብተመሳሳሊ ናይ መርከብ ኣዛዚ ዝነበሩ ኣሰር ኣቦኦም ብምኽታል ኢዩ፡፡
ኣቤል ታሪኩ ብቁልዕነቱ ወላዲ ኣቡኡ ኣውሮፕላን ኣብራሪ ንኽኸውን ይድለዩ እምበር ንሱ ግን ሕርያኡ መርከበኛ ከምዝኾነ ብተደጋጋሚ ንወላዲኡ እናነገረ ከምዝዓበየ ተዛሪቡ።
ካብ ቁልዕነቱ ጀሚሩ መርከበኛ ናይ ምዃን ሕልሚ ዝነበሮ ኣቤል እናተመነዮ ዝነበረ ነገር ብምዕዋት ሕልሙ ምንባር ካብ ዝጅምር 14 ዓመታት ቶቖፂሮም ይርከቡ።
ናይ መጀመርታ ቆልዓ ዝኾነ ሚሊዮን ብግድኡ ናብዚ ዓውዲ ካብ ዝኣቱ 11 ዓመታት ዘቑፀረ እንትኸውን፥ ስርሑ ከምዝፈቱን ሃገሩ በዚ ሞያ ብስፍሓት ከገልገል ከምዝደሊ ተዛሪቡ፡፡
በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን ዝኾነ ሚሊዮን ኣብ ባሕር ስራሕ ፈታኒ ስለዝኾነ ፅንዓትን ህርኩትነትን ከምዝሓትት ሓቢሩ፡፡
ሚሊዮን ን18 ኣዋርሕ ከምኡ እውን ሐዉሰ ኣቤል ን15 ኣዋርሕ ዝኸውን ኣብ ባሕሪ ከምዝፀንሑ ተዛሪቦም።
ኣብ ስረሖም ብዙሕ ማዕበልን ፈተንቲ እዋናትን ክዘሕልፉ ዝገልፁ ክልቲኦም ኣሕዋት፥ ሓገዝ ኣቦኦም ናብዚ ክብሪ ከምዘብቀዖም ይገልፁ።
ብወንድማገኝ ፀጋዬ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!