ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ስራሕቲ ልምዓት ወሰን ሩባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዑደት ገይሮም፡፡
እቶም ኣመራርሓ “እረኣእያ መንግስቲ መደመር ብራኸ ዘፈራት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ስልጠና እናወሰዱ ከምዝፀንሑ ተሓቢሩ፡፡
ሎሚ መዓልቲ እውን ካብ እንጦጦ ፍሬንድሽፕ ጀሚሩ ክሳብ ፒኮክ ዘሎ ልምዓት ወሰን ሩባን ስራሕቲ መስፋሕፍሒ ሆስፒታል ዘውዲቱን ተዘዋዊሮም ተመልኪቶም፡፡
ኣብቲ እዋን ስራሕቲ ልምዓት ወሰን ሩባ እታ ከተማ ብተሳትፎ ህዝቢን ውልቀ ሰብሃፍቲን እናተወገነ ከምዝዝርከብ ተሓቢሩ፡፡
ብክብረወሰን ኑሩ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!