ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኩናት እስራኤልን ኣሜሪካን ኢራንን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ሕዚ እውን እናተጠናኸረ ይኸይድ ኣሎ።
ኣብቲ ዞባ ኲናት ብፍላይ ቀረብ ነዳድን ተፈጥሮኣዊ ዘይቲን ጋዝን ብምትእጉጓል ኣብ ኢኮኖሚ ሃገራት ኣሉታዊ ፅልዋ የሕድር ኣሎ።
ፕሬዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ትማሊ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ዝርርብ ከምዝተጀመረ ኣፍሊጦም ነይሮም፤ ብኻልእ ወገን ድማ ኢራን ነቲ ናይ ፕሬዚዳንት ሓሳብ ናይ ሓሶት ዜና ኢላቶ ኣላ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንዳሃለወ እስራኤልን ኣሜሪካን ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓታት ኢራን መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ ኮይኑ፤ ቴህራን ድማ ሕነ ምፍዳይ ስጉምትታት ክትወስድ ጀሚራ ኣላ።
ኣብቲ ሃገራት ዙርያ ዝናዛሕ ዘሎ ሕድ ሕድ ሓበሬታን ሓደሽቲ መጥቃዕቲታት ምክፋቱ ስዒቡ እቲ መሊሱ ክውስኽ ኣብ ኣፍደገ ዝነበረ ዋጋ ነዳዲ መሊሱ ከምዝወሰኸ ይግለፅ ኣሎ።
ኣብቲ መሰረት ብልዕሊ 10 ሚኢታዊ ዝወረደ ሓደ በርሚል ዘይተፃረየ ነዳዲ ሎሚ ልዕሊ 100 ዶላር ከምዝበፅሐ ቢቢሲ ሓቢሩ።
ብመላኩ ገድፍ