ኣሜሪካ መጥቃዕቲ ዝበፅሖ ኤፍ-15 ተዋጋኢ ፓይለት ብህይወት ረኺባቶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ናይ ኣሜሪካ ኤፍ-15 ነፋሪት ጄት ብኢራን ድሕሪ ምውቃዓ ጠፊኡ ዝነበረ ፓይለት ብህይወት ከምዝረኸበቶ ተገሊፁ።
ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ እቲ ፓይለትንምትራፍ ኣብ ዝተገበረ ወፍሪ ብኣሜሪካ ታሪክ ድፍረትን ቆራፅነትን ዝተመልኦ ምዃኑ ብምግላፅ፤ እቲ ወፍሪ ንዘዐወቶ ጉጅለ መድሕን ነብሲ ንኢዶም፡፡
እቲ ኣብራሪ መዓርግ ኮሎኔል ከምዘለዎ ተገለፀ እቲ ፓይለት፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዘሎ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ገፆም ሓቢሮም።
እቲ ፓይለት ኣብ ኣኽራናት ኢራን ንሓደ መዓልቲ ተንጠልጢሉ ምፅንሑ ብምሕባር፤ ቀሊል መጉዳእቲ ከምዝበፅሖን ቀልጢፉ ከምዝድሕን ገሊፆም።
ብሚኪያስ ኣየለ
Comments (0)
Add Comment