ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ፖሊስ ዘለዋ ምትሕብባር ብዝበለፀ ክተጠናኽር ኢያ – ኣምባሳደር አርቪን ማሲንጋን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ፖሊስ ዘለዋ ምትሕብባር ብዝበለፀ ክተጠናኽር ኢያ ኢሎም ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ አርቪን ማሲንጋ፡፡

ኮሚሽነር ጀነራል ፖሊስ ፌዴራል የኢትዮጵ ደመላሽ ገ/ሚካኤል ምስ ኣምባሳደር አርቪን ማሲንጋ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ እተን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ፖሊስ ዘለወን ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር፣ ግብረ ራዕዲን ካልኦት ዶብ ተሳገርቲ ገበናትን ብሓባር ምክልኻል ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዘትዮም፡፡

ከምኡ እውን ኣብ ልውውጥ ልምዲ፣ ህንፀት ዓቕሚን ካልኦት ዓውዲታትን ብምትሕብባር ንምስራሕ ከምዝተዛተዩ ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም፡፡

ኣምባሳደር አርቪን ማሲንጋ ኣብቲ እዋን÷ ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ፖሊስ ዘለዋ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ልዑል ድሌት ኣለዋ ኢሎም፡፡

ብፍላይ ዋሽንግተን ግብረ ራዕዲን ዶብ ተሳገርቲ ገበናትን ብሓባር ንምክልኻል ቆራፅ ከምዝኾነት ኣረጋጊፆም፡፡

Comments (0)
Add Comment