ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ጎንፂ ኢራንን እስራኤልን ኣሜሪካ ወታደራዊ ተሳትፎ እንተገይራ ልዑል ሓደጋ ክፍጠር ይኽእል ኢዩ ክብሉ መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ሃሚኒ ኣጠንቂቖም፡፡
ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኢራን ብቕልጡፍ ኢድ ንኽትህብ ምትሕስሳቦም ስዒቡ መንፈሳዊ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ሃሚኒ ሃገሮም ብቐሊሉ ትምብርከኽ ከምዘይነት ምትሕስሳቦም ብሄራዊ ቴሌቪዥን እታ ሃገር ፀብፂቡ፡፡
ሻድሻይ መዓልቱ ኣብ ዝሓዘ ጎንፂ ኢራንን እስራኤልን÷ ኢራን 400 ዝኾኑ ባለስቲክ ሚሳኤላት ናብ እስራኤል ብምትኳስ ኣብ ከተማታት ቴልኣቪቭን ሃይፋን ዝርከቡ ህንፃታትን መሰረተ ልምዓታትን ጉድኣት ኣብፂሓ ኢያ፡፡
እስራኤል ብግደኣ ብተኸታታሊ መጥቃዕቲ ኣየር ጣቢያታት ኒውክለር ኢራን ሓዊሱ ወሰንቲ ትካላት እታ ሃገር ምዕናው እናቐፀለት ትርከብ፡፡
ጎንፂ ክልቲአን ሃገራት እናተጋደደ ብምኻዱ ኣብ ቴህራንን ቴልኣቪቭን ኣብ ልዕሉ ዝርከቡ ነበርቲ ልዑል ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ፡፡
ብኣቤል ንዋይ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!