ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግን ኣብ ደቡብ ኮሪያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ኣሳሊጦም።
እቲ ዘተ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምትሕብባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእልዎም ኩነታትን ሓበራዊ ተረባሕነትን ጠመተ ዝገበረ ኢዩ።
ፕሬዚዳንት ትራምፕ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ ምስ ፕሬዚዳንት ሺ ጂንፒንግ ዝገበርናዮ ዘተ ዝነኣድ ነይሩ ኢሎም።
ኣብ ኩሎም ዛዕባታት ስምምዕ ከምዝተገበረ ብምግላፅ፥ እዚ ናይ ክልቲአን ሓያላን ሃገራት ኩለ መዳያዊ ምትሕብባር ብዝበለፀ ዘጠናኽር ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ብመሰረት እዚ ስምምዕ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ሸቐጣት ቻይና ኣንቢራቶ ዝነበረት ቀረፅ ካብ 57 ናብ 47 ሚኢታዊ ከምእትንኪ ኣረዲኦም።
እተን ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን ስምምዕነት ንግዲ ዝኸተማ እንትኾና፥ እቲ ስምምዕነት ኩሎም ወገናት ብዓውዲ ኢኮኖሚ ዝኣተውኦ ውጥረት ከዘሓሕሎ ኢዩ ዝበል ትፅቢት ኣሎ።
ፕሬዚዳንት ሺ ጂንፒንግ ብግደኦም፥ ከልቲአን ሃገፈራት ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብምትሕብባር ብምስራሕ ሽርክነአንን ሕውነተንን ብዝበለፀ ምጥንኻር ይግበአን ኢሎም።
ብመላኩ ገድፍ