ኣሜሪካ ድፋዕ ዘፍርስ ቦምብ ኣብ ረብሓ ምውዓል ጀሚራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣሜሪካ ድፋዕ ዘፍርስ ቦምብ ኣብ ረብሓ ምውዓል ከምዝጀመረት ይግለፅ ኣሎ።

2 ሺሕን 270 ኪሎ ግራም ዝምዘን እቲ ቦምቢ ትሕቲ መሬት ኣብ ዝተሃነፁ ጥንኩራት ድፋዓት ዘለዉ ዒላማታት ብዕምቆት ብምእታው ናይ ምዕናው ዓቕሚ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ጦር ኣሜሪካ ኣብ ከባቢ ጠረፍ ባሕሪ ኢራን ዝርከቡ ሚሳኤላት ብምውንጫፍ መጥቃዕቲ ከምዝተፈፀመ ዝሓበረ ይኹን እምበር ኣየናይ ቦምብ ኣብ ረብሓ ከምዝወዓለ ብዝርዝር ከምዘይተገለፀ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

መበል 19 መዓልቱ ኣብ ዝሓዘ ኲናት ኣሜሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዘይተቛረፀ ደብዳብ ሚሳኤልን ኣየርን እናፈፀማ ይርከባ።

ኢራን እውን ዘይተቛረፀ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ኣብ ልዕሊ እስራኤልን መሓዙት ኣሜሪካን እናፈፀመት ትርከብ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment