ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ነበር ዲፕሎማት ኣምባሳደር ቆንጂት ስነጊዮርጊስ ብሕክምና ክርድኣ ድሕሪ ምፅናሕ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልየን።
ኣምባሳደር ቆንጂት ኣብ 1950ታት ኣብ ንኡስ ዕድሚኤን ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ተፀንቢረን ካብ ዴስክ ኦፊሰርነት ክሳብ ላዕለዎት ኣመራርሓነት ኣገልጊለን።
ኣምባሳደር ቆንጂት ምስ ዮዲት እምሩ ብምቅፃል ኣብ ኢትዮጵያ ካልኣይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣምባሳደር እየን።
እተን ኣምባሳደር ኣብ ኦቶዋ፣ ካይሮ፣ ተል ኣቪቭን ቬየናን ኣብ ዝርከቡ ሚስዮናት ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሙሉእ ስልጣን ብምዃን፣ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካን ኮሚሽን ኢኮኖሚ ሕቡራት ሃገራትን ድማ ቀዋሚ ወኪል ኮይነን ሰሪሐን።
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ብሞት ኣምባሳደር ቆንጂት ዝተሰምዖ ሓዘን ብምግላፅ ንሓዘንተኛታት ቤተሰብን ፈተውትን ፅንዓት ይሃብኩም ኢሉ።