ኣርሰናል ምስ ማንቼስተር ሲቲ – ትፅቢት ዝግበረሉ ንሕንሕ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 5ይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ምሸት 12:30 ኣርሰናል ንማንቼስተር ሲቲ ኣብ ኤምሬትስ ተተኣናግደሉ መርሃ ግብሪ ትፅቢት ይግበረሉ።

ኣብ ኩሎም ውድድራት ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ፀወታታት ብማንቼስተር ሲቲ ምንም ስዕረት ዘየተኣናገደት ኣርሳናል እዚ ሪከርድ ክቕፅል ንምግባር ናብ ሜዳ ክትኣቱ ኢያ።

ኣብ መፋርቕ እቲ ሰሙን ኣብ ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ኣርሰናል ንኣትሌቲኮ ቢልባኦ ከምኡ እውን ማንቼስተር ሲቲ ንናፖሊ ብተመሳሳሊ 2 ን 0 ምስዓረን ይዝከር፡፡

ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀወታ ወዲ 42 ዓመት ስቱዋርት ኣትዌል ናይ ማዕኸል ዳይና ብምዃን ክመርሑዎ ኢዮም፡፡

ኣብ ካልኦት ፀወታታት ቦርንማውዝ ኣብ ቪታሊቲ ስታዲየም ቀትሪ ሰዓት 10 ንኒውካስል ዩናይትድ ክተተኣናግድ ኢያ፡፡

ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብቲ ሊግ ክሳብ ሕዚ ሸቶ ክተመዝግብ ዘይከኣለት ጋንታ ኣስቶን ቪላ ካብ ሜዳኣ ወፃእ ንሰንደርላንድ ክትገጥም ኢያ፡፡

Comments (0)
Add Comment