ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 25 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሰናልን ቼልሲን ንተጋጠምተን ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊበን።
ኣብ ስታዲየም ኤምሬትስ ንሰንደርላንድ ዘተኣናገደት ኣርሰናለ 3 ን 0 ብምስዓር መሪሕነታ ናብ 9 ክብ ኣቢላ።
ኣርሰናል ዝተዓወተትለን ሸቶታት ማርቲን ዙቢሜንዲን ቪክቶር ዮኮሬሽ (2)ን ሸቶን ኣመዝጊቦምወን።
ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ቼልሲን ዎልቭስን ቼልሲ 3 ን 1 ብምስዓር ተዓዊታ።
ሰለስቲአን ሸቶታት ቼልሲ ኮል ፓልመር ዘመዝገበን እንትኸውን (እተን ክልተ ብፍፁም ቅላዕ ኢዩ ኣመዝጊቡወን፡፡ ብሕታዊ ሸቶ ዎልቭስ ድማ ቶሉዋላሴ ኣሮኮዳሬ ኣመዝጊቡዋ።
ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ዝተኻዱ ፀወታታት እቲ ሊግ፤ ኣስቶንቪላን ቦርንማውዝን 1 ን 1፣ ኤቨርተን ንፉልሃም 2 ን 1፣ ዌስትሃም ንበርንሌይ 2 ን 0 ስዒረን።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!