ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 10ይ ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሰናል ንሰንደርንድ 2 ን 0 ብምስዓር መሪሕነታ ኣጠናኺራ፡፡
ኣርሰናል ዝተዓወተትለን ሸቶታት ዮኬሬሽን ራይስን ቅድሚ ዕረፍቲ ኣመዝገቦምወን፡፡
ነዚ ስዒቡ ኣርሰናል ብሸውዓተ ነጥቢ ኣፈላላይ ነቲ ሊግ ክትመርሖ ጀሚራ፡፡
ማንቼስተር ዩናይትድ ብግደኣ ናብ ኖቲንግሃም ፎረስት ብምምራሕ ዝገበረቶ ፀወታ ክልተ ማዕረ ብምውፃእ ነጥቢ ተማቒላ፡፡
ናይ ማንቸስተር ዩናይትድ ሸቶታት ካስሚሮን ኣማ ዲያሎን እንተመዝግቡ ጊቭስ ዋይትን ሳቮናን ድማ ናይ ኖቲንግሃም ፎረስት ሸቶታት ኣመዝጊቦምወን፡፡
ምሸት ሰዓት 12 ኣብ ዝተኻየዱ ካልኦት ፀወታታት እቲ ሊግ ብራይተን ንሊድስ ዩናይትድ ከምኡ እውን ፉልሃም ንዎልቭስ ብተመሳሳሊ 3 ን ዐ እንትስዕራ፥ ክሪስታል ፓላስ ንብሬንትፎርድ 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅት ስዒረን፡፡
ፀወታ እቲ ሊግ እንትቕፅል ምሸት ሰዓት 2፡30 ቶተንሃም ሆትስፐር ምስ ቼልሲ ከምኡ እውን ምሸት ሰዓት 5 ሊቨርፑል ምስ ኣስቶንቪላ ዝገብረኦ ፀወታታት ትፅቢት ይግበረሎም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!