ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ኤውሮፓ 16 ንምፅንባር ዝካየድ ናይ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ፀወታታት ሎሚ ክካየድ እዩ።
ምሸት ሰዓት 5 ፖርቹጋላዊ ክለብ ቤንፊካ ኣብ ሜድኡ ንሪያል ማድሪድ ኣብ ስታድዮ ዳ ሉዛ ከተአንግድ እያ።
ክልቲአን ጋንታታት ኣብ መርሃ ግብሪ ውድድር ዓመት ሻምናይ ሰሙን ተራኺበን ቤኔፊካ 4 ብ 2 ምዕዋታ ይዝርከር።
ጁድ ቤሊንግሃም፣ ሮድሪጎ፣ ኤደር ሚሊታኦን ራውል ኣሴንሲዮን ኣብዚ ናይ ሎሚ ፀወታ ምስ ርያል ማድሪድ ግልጋሎት ዘይህቡ ተፃወትቲ እዮም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!