ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ ካብ’ዚ ዓለም ብሞት ተፈሊዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ ብዝሓደሮ ሕማም ካብዚ ዓለም ብሞት ምፍላዩ ኢቢኤስ ቴሌቪዥን ገሊፁ።

ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ በብኣቕራቢነት ቴሌቪዥን ፕሮግራም፣ ተዋሳኣይነትን ካልኦት ስራሕቲ ጥበብን ኢዩ ዝፍለጥ።

ኩለ መዳይ ኣርቲስት  ነፃነት ወርቅነህ ንብዙሓት ዓመታት ኣብ ኢቢኤስ ቴሌቪዥን ዘመሓላልፎ ናይ ቤተ ሰብ ፀወታ ፕሮግራም ኣሰናዳኢን ኣቕራቢን ብምዃን የገልግል ነይሩ።

ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ ብስራሕቲ ፊልምን ቴኣትርን ኣዝዩ ተፈታዊ ዝነበረ እንትኸውን፥ ብሲቲ ቦይዝ፣ ሳልነግራት፣ ያንቺው ሌባ 2፣ ኤፍቢኣይ፣ ሚስተር ኤክስ፣ ቾምቤን ካልኦት ስራሕቲን ዝነኣድ ብቕዓቱ ኣርኢዩ ኢዩ።

ኣርቲስት ነፃነት ወርቅነህ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑትን ነይሩ።

Comments (0)
Add Comment