ኣርቲስት ደበበ እሸቱ ንሃገሩ ዝነበሮ ፍቕሪን ቅዋምን ዝፀንዐ፣ በቢእዋኑ ዘይቀያየር ዓብዪ ናይ ጥበብ ሰብ ነይሩ-ነብዩ ባዬ (ረ/ፕ)

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣርቲስት ደበበ እሸቱ ንሃገሩ ዝነበሮ ፍቕሪን ቅዋምን ዝፀንዐ፣ በቢእዋኑ ዘይቀያየር ዓብዪ ናይ ጥበብ ሰብ ነይሩ ኢሎም ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ነብዩ ባዬ (ረ/ፕ)።

እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ብሕልፈት ህይወት ኣርቲስት ደበበ እሸቱ ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

ኣርቲስት ደበበ እሸቱ ካብ እዋን ቁልዕነቱ ጀሚሩ ኣብ ጥበብ ዓለም ተዋሳኣይ፣ ደራሳይን ኣሰናዳእን ብምዃን ዘበን ዘይርስዖ ኣሰር ኣንቢሩ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ህቡብ ከያኒ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ መድረኽ ጥበብ ብዙሕ ኣስተዋፅኦ ምብርካቱ ብምግላፅ፥ ብስራሕቲ ኪነ ጥበቡ ንሃገሩ ብግልፂ ዘፀወዐን ዘፋለጠን ከምዝነበረ ገሊፆም።

ናብ ወፃኢ ዓዲ ከይዱ ተማሂሩ ናብ ሃገሩ ብምምፃእ ኣብ ኣገልግሎት ካብ መንጎ ዝኣተዉ ብቐዳማይነት ሽሙ ዝፅራሕ ኣርቲስት ከምዝኾነ እውን ኣረዲኦም።

ብመሰረት እዚ ምስ ኣርቲስት ወጋየሁ ንጋቱ ብምዃን ኣብ ብሄራዊ ቲኣትር ሰፊሕ ናይ ጥበብ ኣስተዋፅኦ ምብርካቱ ሓቢሮም።

ኣርቲስት ደበበ እሸቱ ካብ መንጎ ዝዓየዮ ተውኔታት፥ “እናት ዓለም ጠኑ፣ ያለአቻ ጋብቻ፣ ጠልፎ በኪሴ” ሓዊሱ ናይ መንግስቱ ለማን ፀጋዬ ገብረ መድህንን ዓበይቲ ስራሕቲ ተውኔት ምፅዋቱ ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment